Tigrinya

ክታበት ብሓፈሽኡ

1. ክታበት እንታይ እዩ?

ንሰብ ካብ ተላጋቢ ሕማም ንምክልኻል ዝወሃብ ናይ ክታበት ናውቲ፣ ክታበት ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ካብ ሓደ ሓደ ሕማማት ንምክልኻል ስብ ቀጻሊ ክኽተብ ኣለዎ (ንምሳለ፡ ቴታኑስ)። ካብ ካልኦት ሕማማት ንምክልኻል ሓንሳብ ወይ ክልተ ጊዜ ምኽታብ እኹል እዩ (ንምሳለ፡ ንፍዮ)።

2. ክታበት ከመይ ገይሩ እዩ ዝሰርሕ?

ክታበት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣካል ሰብ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ የበራብር። እዚ ናይ ኣካል መከላኸሊ ስርዓት እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክታበት ነቲ ናይ ኣካል መከላኸሊ ስርዓት ናቱ ዝኾነ ካብ ሕማም መከላኸሊ ናውቲ ንኸምርት የበራብሮ። እዚ ናውቲ መከላኸሊ ኣካል ተባሂሉ ይጽዋዕ።

3. ክታበት ንምንታይ እዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?

ክታበት ብሕማም ናይ ምጥቃዕ ሓደጋ የጉድል እዩ። ቫይረስ፣ ባክተሪያ ወይ ድማ ዕሰ ኣብ ውሽጢ ኣካል እንተ ኣትዩ፣ ረኽሲ ከም ዘሎ ዝተፈጠረ እዩ ዝፍለጥ። ሓደ ሓደ ረኽስታት ከኣ ክሳብ ንሙማት ከብጽሓ ይኽእላ እየን። ክታበት ረኽሲ ከም ዘይፍጠር ክገብር ይኽእል እዩ፣ ከምኡ እውን እቲ ሓደ ሓደ ጊዜ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ክፍጠር ዝኽእል ናይ ጥዕና ምብልሻው ይከላኸል።

ብሓፈሽኡ ብዛዕባ ካብ ኮሮና ንምኽልኻል ክታበት

4. ኣብ ጀርመን ፍቓድ ዝረኸባ ክታበታት ኣየኖት እየን?

ኣብ ጀርመን ፍቓድ ዝተወሃበን ክታበታት ብትካል ቢዮንቴክ ዝምረት („Comirnaty“)፣ ሞደርና („Spikevax“)፣ ኣስትራ ዜኒካ („Vaxzevria“) ከምኡ እውን ጆንሶን & ጆንሶን እየን። ካብ ወርሒ ሕዳር 2021 ጀሚሩ Vaxzevria ምኽታብ ኣብ ጀርመን ተሪፉ ኣሎ፣ ከምኡ እውን ጆንሶን & ጆንሶን ምኽታብ ተገዲፉ ኣሎ።

5. እዘን ዝተፈላለያ ክታበታት ከመይ እየን ዝሰርሓ?

ኩለን ክታበታት ነቲ ኣብ ኣካል ዘሎ መከላኸሊ ስርዓት ዘበራብራ እየን፣ ነቲ ካብ ሕማም ዝከላኸል ኣገባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ በዚ ከኣ እቲ ኣካል ካብ ቫይረስ መከላኸሊ ይህልዎ። በዚ ከኣ እቲ ኣካል ናቱ ዝኾነ መከላኸሊ ይፈጥር፣ እዚ ዝተፈጠረ ነቲ ኣካል ካብ ቫይራስ ይሕሉ። እቲ ኣካል በዚ ክታበት ንነፍሱ ካብ ሕማም ንምክልኻል “ይመሃር”።

6. ናይ እተን ክታበታት ኣድማዕነት ብኸመይ እዩ ዝፈላለ?

ኩለን እዘን ክታበታት ሰብ ብኮቪድ-19 ሕማም ብኸቢድ ንኸይጥቃዕ ወይ ድማ በዚ ሕማም ንኸይመውት ጽቡቕ ገይረን እየን ዝከላኸላ። ኣብዚ እዋን ዘሎ ፍልጠት ከም ዝሕብሮ ኣብ ሞንጎ እዘን ክታበታት ንጹር ዝኾነ ናይ ኣድማዕነት ፍልልይ የለን። ኩለን እዘን ክታበታት ድሕሪ ናይ መጀመርታ ክታበት ጽቡቕ ገይረን ከም ዝከላኸላን ድሕሪ ካልኣይ ክታበት ድማ ብጣዕሚ ኣጸቢቐን ከም ዝከላኸላን፣ ርጉጽ እዩ።

7. መን በየናይ ክታበት እዩ ዝኽተብ?

ክሳብ ሕጂ ካብ ኮቪድ-19 መከላኸሊ ዘይተኸተበ ሰብ፣ ኣብ ናይ ውሑድ ሰሙናት ፍልልይ ብ mRNA ናውቲ ክታበት ናይ BioNTech/Pfizer (ባዮንቴክ) ወይ ድማ ብናይ ሞደርና (Spikevax) ክልተ ጊዜ ክኽተብ ኣለዎ።

ኣብ ጀርመን ብፍላይ እቶም ዕድሜኦም ትሕት ዝበለ ማለት ካብ 12 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድሜኦም BioNTech/Pfizer እዮም ዝኽተቡ። ኣብዚ እዋን BioNTech ኣብ ማሕበር ኤውሮጳ ዕድሜኦም ካብ 5 ክሳብ 12 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑ እውን ተፈቒዱ እዩ፣ እቲ እሳቶም ዝኽተብዎ ብፍላይ ንቆልዑ ዝተዳለወ መጠን ሓይሉ ቅልል ዝበለ ክታበት እዩ።

ኣብዚ እዋን ናይ ሞደርና ዝኾነ Spikevax ንካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ሰባት እዩ ተፈቒዱ።

ብትካል ኣስትራዜኒካ ዝምረት ክታበት Vaxzevria እውን ንካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ እዩ ዝፍቀድ። ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2021 ጀሚሩ ነዚ ክታበት ምኽታብ ኣብ ጀርመን ተገዲፉ ኣሎ።

ናይ ጆንሶን & ጆንሶን ክታበት እውን ንካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ እዩ ዝፍቀድ፣ ይኹን እምበር እቲ ናይዚ ክታበት ኣድማዕነት ትሑት ስለዝኾነ፣ ኣብ ጀርመን ኣይክተብን ወይ ድማ ብጣዕሚ ውሑድ እዩ ዝኽተብ ዘሎ። ብናይ ጆንሶን & ጆንሶን ክታበት ሓደ ጊዜ ዝተኸተበ ሰብ፣ ብዝበለጸ ናይ ክታበት መከላኸሊ ንኽህልዎ ምእንቲ፣ ድሕሪ 4 ሰሙን ናይ ግድን ብሓደ ናይ mRNA ክታበት ዝኾነ (Spikevax ወይ BioNTech) ክኽተብ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን ብዘሎ ናይ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፣ ብ ጆንሶን & ጆንሶን ክታበት ሓደ ጊዜ ምኽታብ ብቑዕ ዝኮነ ምክልኻል ከበርክት ኣይክእልን እዩ።

8. ነየናይ ክታበት ከም ዝኽተብ፣ ክመርጽ እኽእል ድየ?

ሰብ ኣብዚ እዋን ኣብ ጀርመን ኣብ ሞንጎ ስፒከቫክስ ናይ ትካል ሞደርናን ኮሚርናቲ ናይ ትካል ባዮንቴክ/ፋይዘርን ክመርጽ ይኽእል እዩ። ኮሚርናቲ ግን ነቶም ዕድሜኦም ክሳብ 30 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት እዩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ። ካብኡ ዝዓብዩ ሰባት ብቐዳምነት ስፒከቫክስ እዮም ክኽተቡ ዘለዎም።

ድሕሪ ክታበት እንታይ እዩ ዝፍጠር?

9. ድሕሪ ክታበት ኣብ ነፍሰይ እንታይ እዩ ዝፍጠር?

እቲ ኣካል ነቲ ክታበት መልሰ ተግባር ይህብ እዩ ከምኡ እውን ናቱ ናይ ጸረ ጓና መከላኸሊ ይፈጥር። በዚ ምኽንያት ሓደ ሓደ እዋን ባህ ዘይብል ስምዒት ዘለዎ ናይ ኣካል ግብረ መልሲ ይህሉ እዩ። ናይዚ ክታበት ግብረ መልሲ መብዛሕትኡ ጊዜ ቅልል ዝበለን ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ድማ ዝጠፍእን እዩ። እቲ ከጋጥም ዝኽእል ግብረ መልስታት: ኣብቲ ክታበት ዝተገብረሉ ኣካል ቃንዛን ስምዒት ጸቕጥን፣ ምቕያሕ ቆርበትን ሕበጥን። ከምኡ እውን ብርቱዕ ድኻም፣ ሕማም ርእሲ፣ ረስኒ፣ ምንቅጥቃጥ፣

ስግድግድን ቃንዛ ቀላጽምን ከጋጥም ይኽእል እዩ።.

10. ንምንታይ እዩ ንሓደ ሓደ ሰባት ድሕሪ ክታበት ሒማቕ ዝስምዖም?

ናትና ኣካላት ዝተፈላለየ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ አዩ ኣካላትና ዝተፈላለየ ግብረ መልስታት ዘለወን። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ሓደ ሓደ ሰባት ነቲ ናይ ክታበት ግብረ መልሲ ኣጸቢቑ ዝስምዖም፣ መብዛሕትኦም ድማ ቀሊል ይስምዖም ሓደ ሓደ ድማ ብፍጹም ኣይስምዖምን።

11. ኣብ ሞንጎ ግብረ መልሲ ክታበትን ጎድናዊ ሳዕቤንን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ?

ናይ ክታበት ግብረ መልሲ ጽቡቕ ምልክት እዩ። እሱ ዘርእየና፣ እቲ ክታበት ክሰርኽ ከም ዝጀመረ እዩ ከምኡ ድማ እቲ ኣካልና ንነፍሱ ክከላኸል ከም ዝጀመረ እዩ ዘርእየና።

ጎድናዊ ሳዕቤናት ጽቡቕ ኣይኮነን ከምኡ እውን ሓደገኛ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚኣቶም ግን ብጣዕሚ ሳሕቲ እዮም ዘጋጥሙ። ሓደ ፍሉጥ ዝኾነን ግን ሳሕቲ ዝፍጠር ናይ ክታበት ጎድናዊ ሳዕቤን ንምሳለ ኣለርጂ እዩ።

ድሕሪ ክታበት ንምሳለ ንሓደ ሰብ ረስኒ እንተ ኣጋጠሞ እሞ እዚ ረስኒ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እንተ ዘይጠፍኤ፣ እቲ ሰብ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣለዎ። ከምኡ እውን ድሕሪ በቲ ናይ ትካል ኣስትራ ዜኒካ ክታበት Vaxzevria ብርቱዕ ሕማም ርእሲ እንተ ኣጋጠመን ንብዙሕ መዓልታት ድማ እንተ ዘይገደፈ፣ ቀልጢፍካ ናብ ሓኪም ምኽያድ የድሊ።.

12. ኣየኖት ናይ ክታበት ግብረ መልስታት ኣለዋ?

ከጋጥማ ዝኽእላ ናይ ክታበት ግብረ መልስታት: ኣብቲ ክታበት ዝተገብረሉ ኣካል ቃንዛን ስምዒት ጸቕጥን፣ ምቕያሕ ቆርበትን ሕበጥን። ከምኡ እውን ብርቱዕ ድኻም፣ ሕማም ርእሲ፣ ረስኒ፣ ምንቅጥቃጥ፣ ስግድግድን ቃንዛ ቀላጽምን ከጋጥም ይኽእል እዩ።

13. እንታይ ጎድናዊ ሳዕቤናት ኣሎ?

ኩለን ጎድናዊ ሳዕቤናት ብጣዕሚ ሳሕቲ እየን ዘጋጥማ! ብኹለን ክታበታት ንምሳለ ኣለርጂካዊ ዝኾነ ግብረ መልሲ ሓሓሊፉ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ብክታበታት ናይ ኣስትራዜኒካን ጆንሶን & ጆንሶንን ብጣዕሚ ሳሕቲ ብዝኾና ጉዳያት ናይ ደንም ምርጋእ ኣጋጢሙ እዩ። ብስፒከቫክስ ናይ ትካል ሞደርናን ኮሚርናቲ ናይ ትካል ባዮንቴክ/ፋይዘር ብጣዕሚ ሳሕቲ ብዝኾና ጉዳያት ቅልል ዝበለ ናይ ልቢ ቀላጽም ረኽሲ ኣጋጢሙ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ዘጋጠሞም፣ ወላኳ ውሑዳት ይኹኑ እምበር፣ መብዛሕትኡ እዋን ዕድሜኦም ካብ 30 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት እዩ፣ ስለዚ መንእሰያት ነቲ ናይ ባዮንቴክ/ፋይዘር ክታበት ኮሚርናቲ እዮም ክኽተቡ ዘለዎም፣ ምኽንያቱ እዚ ካብ ክታበት ስፒከቫክስ ናይ ሞደርና ዝወሓደ ጎድናዊ ሳዕቤን እዩ ዘስዓበ።

14. በተን ቀዳመይትን ካልኣይትን ክታበታት ክንድምንታይ ክከላኸል እኽእል?

እቲ ቀዳማይ ክታበት እውን እንተኾነ ካብ ጽኑዕ ምሕማምን ካብ ሞትን ይከላኸል እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ንዉሑድ ሰሙናት እዩ ዝጸንሕ ከምኡ እውን ብቑዕ ኣይኮነን፣ ስለዚ ኩሉ ጊዜ እቲ ካልኣይ ክታበት ክኽተል ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ክታበት ክወሃብ ከሎ ነቲ ካልኣይ ክታበት ቆጸራ ይወሃብ ኣዩ።

ክልተ ጊዜ ብናይ mRNA-ክታበት ናይ ባዮንቴክ/ፋይዘርን ብሞደርናን ከምኡ ድማ ብቫክስሰሪያ ናይ ኣስትራዜኒካ ዝተኸተበ፣ መጠኑ 90 % ዝኸውን ካብ ጽኑዕ ምሕማም ናይ ክታበት ምክልኻል ይህልዎ (ንምሳለ ኣብ ሆስፒታል ካብ ምሕካም) ከምኡ እውን መጠኑ ዳርጋ 75 % ዝኸውን በቲ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ምልካፍ መከላኸሊ ይህልዎ።

15. በቲ ካልኣይ ክታበት ክንድምንታይ ክከላኸል እኽእል ከምኡ ከኣ እቲ „መደልደሊ“-ክታበት እንታይ እዩ?

ኣብዚ እዋን ሰብ ሙያ ዝብልዎ ዘለዉ፣ እቲ ካልኣይ ናይ መከላኸሊ ክታበት ድሕሪ ምግባሩ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ገበረ ድሕሪኡ ብዝተኻእለ መጠን ክሕደስ („ክድልድል“) ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ድሕሪ 6 ወርሒ ኣቢሉ ክኸውን ከሎ እቲ ናይ ክታበት ምክልኻል ዓቕሙ ብጣዕሚ ስለዝትሕት። እዚ ንኹሎም ሰባት እዩ ዝምልከት።

ካልኦት ክታበታት እውን ከምኡ እዩ። ናይ ኢንፍሉየንዛ (ጉንፋዕ) መከላኸሊ ክታበት ንምሳለ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ይግበር እዩ፣ ናይ ቴታኑስ (መንጋጋ ቆልፍ) መከላኸሊ ክታበት ኣብ 10 ዓመት ክሕደስ ኣለዎ።

16. እቲ ናተይ ዕድመ ኣብቲ ናይ ክታበት ኣድማዕነት ጽልዋ ኣለዎ ድዩ?

እወ። ዕድመ እንዳወሰኸ ክኸይድ ከሎ፣ እቲ ናይ ኣካል ተኸላኻሊ ስርዓት እውን እንዳደኸመ እዩ ዝኸይድ። ኣብዚ እዋን ሕጂ ብዛዕባ እዚ ክታበት ተፈሊጡ ዘሎ እንተ ኾይኑ ግን፣ በተን ኣብ ኤውሮጳ ተፈቒደን ዘለዋ ክታበታት፣ እቶም ዕድሜኦም ክብ ኢሉ ዘሎ እውን ብቑዕ ዝኾነ ምክልኻል ኣሎ።.

17. ተኸቲበ ከለኹ እውን ነቲ ቫይረስ ከላግብ እኽእል ድየ?

እወ። እቲ ኣጋጣሚ ብጣዕሚ ዝወሓደ ይኹን እምበር፣ ምልጋብ ይከኣል እዩ። ክሳብ ሕጂ ተፈሊጡ ከም ዘሎ እቶም ዝተኸተቡ ውልቀሰባት ዝህልዎም ሕማም ብጣዕሚ ቀሊል እዩ።

18. ብኮሮና ተታሒዘ ዝነበርኩ እሞ ዝሓወኹ ከለኹ፣ ክኽተብ እኽእል ድየ?

እወ፣ ግን ንኸምዚ ዓይነት ጉዳይ እቲ ክታበት እቲ PCR-ምርመራ (ካብ ጎሮሮር ምሕሳስ) ድሕሪ ምግባር ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እዩ ዝመዓድ፣ ነቲ ኣብ ኣካል ዘሎ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ቫይረስ ሕማም መከላኸሊ እንደገና ንምብርባር። ናይ ደም ምርመራ ተገቢሩ ናይ ኮቪድ-19 ጸረ ጓና ኣካል ዝተረኸበ እንተ ኾይኑ፣ እቲ ክታበት ድሮ ድሕሪ 4 ሰሙን ድሕሪ ውጽኢት ምርመራ ደም ክግበር ይኽእል እዩ።

ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ክታበታት ብኮሮና ዝሓመመ ሰብ፣ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ፍልልይ ጊዜ ክኽተል ኣለዎ፣ ልክዕ ከም እቲ ኣብዚ እዋን ናይ መሐደሲ ክታበት („መደልደሊ“) ንኽኽተብ ይመዓድ።

19. ድሕሪ ክታበት ናይ ኣፍ መሸፈኒ ክገብር ኣለኒ ድዩ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ጽርየት ሕግታት ክኽተል ኣለኒ ድዩ?

እወ፣ እቲ ሕጂ ኣብ እዋን ኩነታት ተላባዕ ዘሎ ናይ ባህርይ ሕግታት ቀጺሉ እዩ ዘሎ። ድሕሪ ክታበት እውን ኮሮና ንኻልኦት ከላግብ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ውሕስና መምርሒታት ቀጻሊ የገልግል እዩ።

20. ብኽታበት እንታይ ጥቕምታት ኣለኒ?

ካብ እቲ ብርቱዕ ዝኾነ ናይ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣገባብን ካብ ምሟትን ተኸላኺልኩም ኣለኹም።

በቲ ክታበት ምኽንያት ብኮሮና-ቫይረስ ንኽትተሓዙ ዘሎ ኣጋጣሚ ብጣዕሚ ዳርጋ የለን።

እስኹም ባዕልኹም ንሓደ ካልእ ሰብ ኮሮና-ቫይርስ ክተላግቡ ዘሎ ተኽእሎ ዳርጋ የለን።

ካብ እቲ ናይ ጥዕናዊ ጥቕምታት ዝሓለፈ እውን ብዙሕ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ተግባራት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ነዚ ብዘይ ክታበት ሕጂ ክግበር ዘይከኣል እዩ። ከም ዝተኸተብኩም ከተረጋግጹ እንተ ኽኢልኩም፣ ናብ ካፌ ከም ቀደም ክትኣትዉ ትኽእሉ፣ ምስ ኣዕሩኽኩም ክትራኸቡ እዋን ዕረፍትኹም ክትሕጎሱሉ ትኽእሉ።

ምስ እዚ ተላባዕ ዝዝውተራ ፍሉጣት ዝኾና ዝተፈላለያ ዓይነታት መፍትሒ ሽግራት ኣለዋ፣ እተን ኣብዚ እዋን ኣብ ተግባር ዝውዕላ ዘለዋ ዓይነታት 3G፣ 2G ን 2G+ ይበሃላ።

3G ማለት፡ ናብ ሓደ ቦታ ንምእታው ዝተኸተበ፣ ካብ ሕማም ዝሓወየ ወይ ድማ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኣትወሉ መዓልቲ ኔጋቲቭ ዝተመርመረ (ቅልጡፍ ምርመራ/ ኣንቲጌን ምርመራ ወይ ድማ PCR ምርመራ) ንዝገበረ ሰብ ይከኣል።

2G ማለት፡ ናብ ሓደ ቦታ ንምእታው ዝተኸተበ ወይ ድማ ካብ ሕማም ዝሓወየ ሰብ ይኽእል።

2G+ ማለት፡ ናብ ሓደ ቦታ ንምእታው ዝተኸተበ ወይ ካብ ሕማም ዝሓወየ ሰብ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ሰብ ኣብቲ ናብ እቲ ቦታ ዝኣትወሉ መዓልቲ ብተወሳኺ እዋናዊ ኔጋቲቭ ምርመራ (ቅልጡፍ ምርመራ/ ኣንቲጌን ምርመራ ወይ ድማ PCR ምርመራ) ከቕርብ ዝኽእል ሰብ ይኽእል።

እንታይ ሓደጋ ኣሎ?

21. ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ፣ ናይ ምሕማም ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ ድዮም?

ኣረገውትን ሕሙማት ሰባትን ብኮቪድ 19 ሕማም ብርቱዕ ክሳቐዩ ወይ ድማ ክሞቱ ዘኽእል ክብ ዝበለ ተኽእሎ ኣለዎም። ምስ ካልኦት ሰባት ብዙሕ ዝራኸቡ፣ በዚ ሕማም ናይ ምትሓዝ ኣጋጣሚኦም ክብ ዝበለ እዩ። ምስ እዚኦም ዝቑጸሩ ንምሳለ ሓኻይም፣ ነርስታት፣ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ሓባራዊ መንበሪ ዝነብሩ ሰባት፣ ፖሊሳት ወይ ድማ መምሃራን እዮም።

22. እቶም ኣብ ሓባራዊ መንበሪ ዝነብሩ ሰባት ንምንታይ ክብ ዝበለ ብሕማም ናይ ምልካፍ ሓደጋ ዘለዎም?

እቶም ኣብ ሓባራዊ መንበሪ ዝነብሩ ሰባት ምስ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጸቢብ ገዛ ስለዝነብሩ፣ ብኮሮና-ቫይረስ ንኽሓሙ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብጣዕሚ ክብ ዝበለ እዩ። ኣብኡ ርሕቀት ንምሕላው ብጣዕሚ ኣጸጋሚ እዩ። ብሕማም ንኽልከፉ ዘለዎም ሓደጋ ልዕል ይብል። በዚ ምኽንያት እቲ ምኽታብ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ይኸውን።

23. እተን ክታበታት ኣብ ስደተኛታት ይፍተና ድየን?

ኣይፋልን! እዘን ክታበታት ቅድሚ ነዊሕ እዋን ድሮ ኣብ ዝደለዩ ዝተፈተኑ እዮም። ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ሙሉእ ዓለም ካብ 8.5 ቢሊዮን ናይ ክታበት እስቃጥላ ንላዕሊ (ዝቖመ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021) ተዋሂበን ኣለዋ። እዚ ማለት፣ ፍርቂ ወይ ድማ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ህዝቢ ዓለም ካብ ኮቪድ-19 ብቑዕ ዝኾነ መከላኸሊ ክታበት ተኸቲቡ ኣሎ ክበሃል ይኽእል እዩ።

24. ቅድሚ ሕጂ ዝሓመምኩ እንተ ነይረ፣ ክኽተብ እኽእል ድየ?

እወ፣ ከምኡ እንተ ዀንኩም ምናዳ ክትክተቡ ኣለኩም፣ ምኽንያቱ ንስኹም ብርቱዕ ዝኾነ ኣገባብ ናይ ኮቪድ-ሕማም ንኽህልወኩም ዘሎ ተኽእሎ ብጣዕሚ ክብ ዝበለ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ፣ ኣብ ጀርመን እቶም ቅድሚ ሕጂ ብርቱዕ ሕማም ሒዝዎም ዝነበሩ፣ ኣቐዲሞም ዝኽተቡ።

25. ጥንስቲ እንተ ኾይነ፣ ክኽተብ እኽእል ድየ?

እቲ ቀዋሚ ናይ ክታበት ኮሚሽን ከም ዝብሎ፣ እተን ዘይተኸተባ ጥኑሳት ካብ 2. ትሪመስተር (ካልኣይ ሲሶ ናይ ጥንሲ እዋን፣ እዚ ማለት ካብ 4. ናይ ጥንሲ ወርሒ) ከምኡ ድማ ነተን ዘይተኸተባ ኣጥበውቲ ንኽኽተባ እዩ ዝምዕድ።

እቲ ቀዋሚ ናይ ክታበት ኮሚሽን ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ ጺን ኣልቦ ዝገብር ክልተ ስቃጥላ ናይ ኮቪድ-19 mRNA-ክታበት ኮሚርናቲ ናይ ትካል ባዮንቴክ/ፋይዘር እዩ ዝምዕድ። ጥኑሳት ኣንስቲ፣ ዕድሜኤን ብዘየገድስ፣ ኮሚርናቲ እምበር ስፒከቫክስ ክኽተባ የብለንን። እቲ ጥንሲ እቲ ቀዳማይ ክታበት ድሕሪ ምውሳድ ዝተፈለጠ እንተ ኾይኑ፣ እቲ ካልኣይ ክታበት ካብ 2. ትሪመስተር (እዚ ማለት ከኣ ካብ 4. ናይ ጥንሲ ወርሒ) ክውሰድ ኣለዎ።

26. ቆልዑ ክኽተቡ ይኽእሉ ድዮም?

እቲ ክታበት ባዮንቲክ ናይ ትካል ባዮንቴክ/ፋይዘር ካብ 12 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ንቆልዑን መንእሰያትን ተፈቒዱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ እውን እዚ ክታበት ኣብ ኤውሮጳዊ ማሕበር ዕድሜኦም ካብ 5 ክሳብ 11 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑ እውን ተፈቒዱ እዩ፣ እሳታቶም ዝወስድዎ ብፍላይ ንቆልዑ ተባሂሉ ዝተዳለወ ክታበት ክኸውን ከሎ መጠኑ ትሕት ዝበለ ክታበት እዩ።

27. ክኽተብ ዘይብሉ መን እዩ?

እቶም ሕማም ዝስምዖም ንምሳለ ልዕል ዝበለ ሙቐት ዘለዎም ሰባት (ካብ 38,5°C ወይ ካብኡ ንላዕሊ) ፣ እንደገና ክሕሾም ከሎ እዮም ክኽተቡ ዘለዎም።

28. ክታበት መኻን ይገብር ድዩ?

ኣይፋልን፣ እዚ ክታበት መኻን ይገብር እዩ ዝብል ምንም ሳይንሳዊ መረጋገጺ የለን።

29. ንምንታይ እየን ሓደ ሓደ ክታበታት ደው ከብላ ዝነበረን?

ብሓደ ሓደ ክታበታት ከጋጥም ዝኽእል ውስብስባት ኣቐዲሙ ብትኽክል ክጽናዕ ስለዝነበሮ፣ ናይ ክታበታት ደው ምባል ተገቢሩ ነይሩ። ናይ ኩሎም ሰባት ውሕስነት ኩሉ ጊዜ እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ብትኽክል ክጽናዕ ዘለዎ።

ከመይ ገይረ እየ ክኽተብ ዝኽእል?

30. ምእንቲ ክኽተብ፣ ክምዝገብ ኣለኒ ድዩ?

እወ፣ ኣብ ኒደርዛክሰን ንምምዝጋብ ብዙሕ ዝተፈላለያ መገድታት ኣለዋ። ኣብ ሓደ ዝኸትብ እንዳ ሓኪም ሓደ ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ወይ ድማ ብዘይ ቆጸራ ኣብ ሓደ ናይ ሓባራዊ ውራይ ክታበት ክትከዱ ትኽእሉ፣ እዚ ብተደጋጋሚ ብተንቀሳቐስቲ ጉጅለ ከተብቲ ዝቕረብ እዩ። ከምዚ ዓይነት ውራይ ኣበይ ከም ዝቕረብ፣ ብኢንተርኔት ኣነጺርካ ክፍለጥ ይከኣል እዩ:

https://impfen-schuetzen-testen.de/impfen/

ከምኡ እውን ንኹሎም ኣብ ኒደርሳክሰን ንዝነብሩን ብዛዕባ መከላኸሊ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ሓበሬታ ክረኽቡ ንዝደልዩን ሰባት፣ ሓደ ናይ ህጹጽ መስመር ኣሎ።

ናይ ህጹጽ መስመር ቁጽሪ: 0800 99 88 665

ኣብዚ ህጹጽ መስመር ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም ካብ ሰዓት 8 ክሳብ ሰዓት 20 ክድወል ይከኣል እዩ።

ሰንበትን ኣብ መዓልቲ ኣውደኣመትን ህጹጽ መስመር ዕጹው እዩ።

ብኢንተርኔት-ናይ ክታበት ገጽ ብጀርመንኛ:

https://www.impfportal-niedersachsen.de

ኣብ ናይ ሕክምና ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ናይ ኒደርዛክሰን ዝተፈላለያ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሓኻይም ክድለ ይከኣል እዩ:

https://www.arztauskunft-niedersachsen.de

31. ብዛዕባ ክታበት ዘማኽር ኣሎ ድዩ?

ቅድሚ ክታበት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ሓደ ሓኪም ንምኽሪ ክማየጥ መሰል ኣለዎ። እዚ ኣብ ኩሉ ክታበት ዝግበረሉ ቦታ፣ ኣብ ናይ ገዛ ሓኻይም ይኹን ኣብ ማእከል ክታበት እውን ከምኡ ይግበር እዩ። ኩለን እተን እስኹም ዘለዋኩም ሕቶታት ኣብ ምይይጥ ይኣትዋ እየን። እስኹም ክትክተቡ ዘይወሰንኩም እንተ ዀንኩም፣ ናብ ናይ ገዛ ሓኪምኩም ንኽትማየጡ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

32. ኣብ ጀርመን ዝኸትብ ብርግጽ መን እዩ?

ኣብ ጀርመን ዝኸትቡ ኣብ ማእከል ክታበት ከምኡ እውን ተንቀሳቐስቲ ናይ ክታበት ጉጅለ፣ እንዳ ሓኪም ዘለዎም ናይ ገዛ ፍሉይ ሙያ ሓኻይምን፣ ኣብ ትካል ዘለዉ ሓኻይምን ብሕታዊ ሓኻይምን።

ኣብ መጀመርታ 2022 እውን ሓኻይም ስኒን ፋርማሲስትን መከላኸሊ ኮቪድ-19 ንኽኸትቡ ፍቓድ ክወሃቦም እዩ።

33. ተንቀሳቐስቲ ጉጅለ ክታበት እንታይ እዮም?

ተንቀሳቐስቲ ጉጅለ ክታበት ናይ ማእከል ክታበት ኣካል እዮም ከምኡ እውን ጉጅለ ሓኻይምን ናይ ሕክምና ተሓጋገዝትን፣ እዚኣቶም ንምሳለ ኣብ ናይ ክንክንን- ገዛውቲ ኣረገውትን፣ ኣብ ሓባራዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ወይ ድማ ኣብ ብፍላይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጸቢብ ቦታ ዝነብሩሉ መንበሪ ገዛውቲ ዘለዎ ከባቢ ብመኪና ዝመጹ እዮም። እዚኣቶም ኣብቲ ቦታ ምኽሪ እንዳሃቡ ሕክምናዊ ብዝኾነ መገዲ ይኸትቡ። ኣብዚ እዋን ብግምት 200 ዝኾኑ ተንቀሳቐስቲ ጉጅለ ኣብ ኒደርሳክሰን ይዋፈሩ ኣለዉ።

ሕጋዊ ሕቶታት

35. ምኽታብ ብድልየትካ ድዩ?

ብመሰረቱ እወ። ሓደ ሰብ ካብ ኮቪድ መከላኸሊ ክኽተብ እንተ ደለየ ወይ እንተ ዘይደለየ፣ ኣብ ጀርመን እቲ ሰብ ባዕሉ እዩ ዝውስን። ሰብ ዝተወሰና ስራሕ ክሰርሕ ዝደሊ እንተ ኾይኑ፣ ናይ ምኽታብ ግዴታ ኣሎ። እዚ ግዴታ ካብ መጋቢት 15 ጀሚሩ ንኹሎም ኣብ ናይ ጥዕና ትካላትን ኣብ ናይ ክንክን ትካላትን ንዝሰርሑ ሰባት እዩ ዘገልግል።

ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቶም ዘይተኸተቡ ሰባት ኣብ ዝደለይዎ ንምንቅስቓስ ድሩት ዝኾነ ዕድል እዩ ዘለዎም። ምስ እዚ ተላባዕ ዝዝውተራ ዝተፈላለያ ዓይነታት መፍትሒ ሽግራት ኣለዋ፣ እተን ኣብዚ እዋን ኣብ ተግባር ዝውዕላ ዘለዋ ዓይነታት 3G፣ 2G ን 2G+ ይበሃላ።

3G ማለት፡ ናብ ሓደ ቦታ ንምእታው ዝተኸተበ፣ ካብ ሕማም ዝሓወየ ወይ ድማ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኣትወሉ መዓልቲ ኔጋቲቭ ዝተመርመረ (ቅልጡፍ ምርመራ/ ኣንቲጌን ምርመራ ወይ ድማ PCR ምርመራ) ንዝገበረ ሰብ ይከኣል።

2G ማለት፡ ናብ ሓደ ቦታ ንምእታው ዝተኸተበ ወይ ድማ ካብ ሕማም ዝሓወየ ሰብ ይኽእል።

2G+ ማለት፡ ናብ ሓደ ቦታ ንምእታው ዝተኸተበ ወይ ካብ ሕማም ዝሓወየ ሰብ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ሰብ ኣብቲ ናብ እቲ ቦታ ዝኣትወሉ መዓልቲ ብተወሳኺ እዋናዊ ኔጋቲቭ ምርመራ (ቅልጡፍ ምርመራ/ ኣንቲጌን ምርመራ ወይ ድማ PCR ምርመራ) ከቕርብ ዝኽእል ሰብ ይኽእል።

36. ክኽተብ እንተ ዘይደለኹ፣ እቕጻዕ ድየ?

ኣይፋልን፣ ማንም ሰብ ኣይቅጻዕን እዩ። እቲ ምኽታብ ብድልየትካ እዩ።

37. እቲ ክታበት ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዑቕባ ኣገባብ ጽልዋ ኣለዎ ድዩ?

ኣይፋልን፣ ሓደ ሰብ እንተ ተኸተበ ወይ እንተ ዘይተኸተበ፣ ኣይቅጻዕን እዩ ከምኡ እውን ኣብ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዑቕባ ኣገባብ ጽልዋ የብሉን።

እቲ ቀዋሚ ናይ ክታበት ኮሚሽን (STIKO) ንጀርመን ናይ ክታበት ለበዋ እዩ ዘሰስን። እዚ ኮሚሽን 16 ፈቓደኛታት ዝኾኑ ሰብ ሙያ ዘለዎ እዩ። ናይ እዚ ኮሚሽን ዕማም ንመከላኸሊ ክታበታትን ተላጋቢ ሕማማትን ንዝምልከት ሕቶታት የጽንዕ ከምኡ እውን ለበዋ ይህብ።

Additional links